ኣብ ኦፐሬሽን ሬስኪዩ ኢትዮጵያ (ኦኣርኢ) ዓዲግራት፡ ንተኣፈስቲ ህጻናት ዘሎና ተወፋይነት ንስድራቤታቶምን ንኣለይቶምን ብምድጋፍ ዝጅምር እዩ። ንወለድን ኣለይትን ዝተዳለወ ፍሉይ ናይ እቶት መኣከቢ ንጣፈታት (IGA) ስልጠና ምጅማርና ብዓቢ ሓጎስ ነበስር። ነዚ ዓቢ መደብ እዚ ንክውን ዝገበሩልና ብፁኣት ደገፍቲ ፍልድስ ኦፍ ፕሮሚስ (Fields of Promise - FOP/USA) ልቢ ዝበጸሐ ምስጋናና ነቕርብ።
ንወለዲ ናይ ስራሕ፣ ናይ ንግድን ናይ ፋይናንስን ክእለት ብምስልጣን ንባዕሎም ክኽእሉ ምግባር ኣብ መጻኢ ህጻናት ዝገበርናዮ ዝዓበየን ዘላቒን ወፍሪ እዩ። ሓደ ወላዲ ወይ ኣላይ ናይ ባዕሉ እቶት ክረክብ እንተደኣ ክኢሉ፡ ናይቲ ስድራቤት ናይ መግቢ ዋስትና ይረጋገፅ፣ ናይ ስድራቤት ውሕስነት ይስረትን ህጻናት እውን ብዘይ ናይ ኢኮኖሚ ጸገም ትምህርቶም ብስሩዕ ንክከታተሉ ይሕግዝ። ነዚ መደብዚ ኣብዚ ናይ ሓዱሽ ዓመትን ናይ ልደትን ሰሙን ምክያድና ንማሕበረሰብና ዓቢ ተስፋን ሓጎስን ኣምፂኡ ኣሎ። ኩሎም ደገፍቲዚ መደብዚ ንክከታተሉን ንክድግፉን ጻውዒትና ነቕርብ።