ኣብዚ ናይ ማይጨው ጨንፈር ወፊቃዊ ናይ ምራቓ በዓል፡ ንነፍሲ ወከፍ ተመዝጊቡ ዝርከብ ስድራቤት 50 ኪሎ ግራም ጣፍ ተዓዲሉ ኣሎ። ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ዝነበረ ባነር "ፕሮጀክት ክንክን ህጻናት ኦፐሬሽን ሬስኪዩ ኢትዮጵያ ማይጨው ናይ ምራቓን ምኽፋትን ስነ-ስርዓት" ዝብል ንባብ ነበሮ።
ናይቲ ከባቢ ኣመራርሓታት፣ ናይቲ ትካል ቦርድ ኣባላት፣ ሰራሕተኛታትን ስድራቤታትን ብሓደ ብምዃን ናይ ሓደ ሓዱሽ መጀመርታን ናይ ነዊሕ ዓመታት ጸሎትን ውጥንን ፍጻመ ዝኾነ ብሩኽ መዓልቲ ኣሕሊፎም። ናይ ማይጨው ህጻናት ሕዚ ናይ ባዕሎም ገዛን ዕቆባን ረኺቦም ኣለው።